About Selamna

ታሪኽ ሬድዮ ሰላምና

ኣገልግሎት ሬድዮ ሰላምና ብ31 ሓጺር ማዕበል ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ብኣቖጻጽራ ኤርትራ ካብ 8.30 - 9.00 ናይ ምሸት ብቛንቋ ትግርኛ እትፍኖ መንፈሳዊት ሬድዮ እያ። ካብ መፋርቕ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ዘድሊ ምድላዋታ ምስ ኣጻፈፈት ብ 1 ለካቲት 1999 ዓ.ም እያ ኣሃዱ ኢላ ቀዳማይ ፈነወኣ ጀሚራ።
ክትጅመር ከላ መደባታ ኣብ መዓልቲ ነናይ ርብዒ ሰዓት መደብ ኮይኑ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ጥራይ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ብደገፍ እግዚኣብሄር መደባታ ናብ መዓልታዊ ነናይ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ ምሉእ ሰሙን ንምብርካት ተሰጋጊራ። ፈነውኣ ክሳብ ሕጂ ብረድኤት ኣምላኽ ትቕጽል ኣላ።
ሬድዮ ሰላምና ካብ ጸቢብ ሰረት-እምነታዊ (ዶክትሪናዊ) ፍልልይን ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጽልዋታትን ርሒቓ ነቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ “ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኪብል ዝሃቦ ናይ ወንጌል ሓደራ ከም ቀንዲ ዕላማኣ ሒዛ እያ ተበጊሳ። ብፍላይ ድማ እቶም ወንጌል የሱስ ክርስቶስ ሰብ ብኣካል ኬብጽሓሎም ዘይከኣል ቦታታትን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ማአከላይ ምብራቕን ብስደትን ካልእ ምኽንያታትን ፋሕ ኢሎም ንዘለው ተዛረብቲ ትግርኛ ብማዕበላት ሬድዮ ኪትበጽሖም እያ ተበጊሳ።
እቲ ካልኣይ ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዛቶ ዝተበገሰት ዕላማ ከኣ ቀስ ብቐስ ብካልእ ቋንቋታት ብፍላይ ከኣ ብትግረ ፈነወኣ ንምስፋሕ እዩ። ካብዚ ቀጺሉ ከኣ እግዚኣብሄር ከም ዝረድኣ ነቲ ጌና ወንጌል ብዝግባእ ዘይበጽሖ ኣብ ቆላታት ኤርትራን፡ ሱዳንን፡ ግብጽን ዝርከብ ማሕበረሰብ ቤጃ ብወንጌል ንብምጻሕ እዩ። እዚ ራእይ እዚ ገና እንተዘይበጽሓቶ እኳ ብጸሎትን ብትግሃትን ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝመደቦ መዓልቲ ከተተግብሮ ኩሉ ግዜ ብትግሃት ካብ ምዕያይን ምጽላይን ኣየቋረጸትን።
ኣብ 2005 ሬድዮ ሰላምና ናይ ገዛእ ርእሳ ዌብሳይት ብምግባር፣ ኣገልግሎታ ናብ ኢንተርነት ክትዘርግሕ ጀሚራ። ካብ 3ይ ርብዒ ዓመት ናይ 2014 ጂሚራ ከኣ ብረድኤት ኣምላኽን ብደገፍ ውፉያት ኣሕዋት፣ መሓውር ኣገልግሎታ ብምስፋሕ ናይ ፈይስ ቡክ፣ ዩቱዩብን፣ ከምእውን ነቶም ኣብ ኣመሪካን ከባቢኣን፣ ዓዲ እንግሊዝን ከባቢኣን ዘለዉ ትግርኛ ተዛረብቲ ብነጻ ናይ ሞባይል ተሌፎን መስመር ዚከታተሉሉ ኣፍደገ ከፊታ። ኣብ 2015 እውን ብረዲኣት ኣምላኽ እቲ ዌብሳይት ብዝሓሸ ውዳበ መልክዑ ብምግፋሕ ኣገልግሎቱ ክጅምር ክኢሉ ኣሎ።
ሬድዮ ሰላምና ክሳዕ ሕጂ ብደገፍ ኣምላኽን ብጸዓት እቶም ጎይታ ልቦም ዘንቅሖ ዓየይቲ ፈነወኣ ካብ ዝጀመረትሉ ሰዓት ጀሚራ ከየቋረጸት ትቕጽል ኣላ። ብፍላይ ሕጂ ኣብቲ ብዙሓት ናይ እምነት ጀጋኑ ኣብ በረኻታት ኤርትራን ኣብ ቤት ማእሰርትን ፍትሒ ስኢኖም ከርተት ዝብሉሉ ዘለውን፡ ክሳዕ ሕጂ ሰንደቕ ዕላማ ናይቲ ህይወቱ ዝሃበሎም ጎይታ የሱስ ብጽንዓት ሒዞም መከራ ዝጻወሩሉ ዘለው እዋን ብዝከኣላ ንምብርትታዖም ጻዕራ ክትቅጽል እያ። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝርከቡ ኣሕዋት ከኣ ዝባዕባ እዞም ብመከራ ዝሓልፉ ዘለዉ ኣሕዋት ኪግደሱን ኪጽልዩን ምዝኽኻራ ክትቅጽል እያ። ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ከይተሓለሉ ንብዙሓት ኣመንቲ ብትግሃትን ሕሉፍ ጸዓትን ዜገልግሉ ዘለው ዓየይቲ ምኽርን ማዕዳን መልእኽቲ ጽንዓትን ምፍናው ክትቅጽል እያ። እቲ ዝተበገሰትሉ ብካልእ ቋንቋታት ፈነወኣ ንምጅማር ዘለዋ ራእይውን ኬተተግብሮ ክትጽዕት እያ። ብተወሳኺ ከኣ መዓልታዊ መደባታ ካብ ፍርቂ ሰዓት ንላዕሊ ኬተስፍሖ ምሕላና ኪትቅጽል እያ።
ሬድዮ ሰላምና ኣገልግሎታ ንክትቅጽልን ኣብ ሓሳባት ዘሎ ሓድሽ መደባት ንምትግባርን ደገፍ ኩሎም ሰብ ራእይ የድልያ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብዚ ዕዮ እዚ ብዝተፈላለየ መዳያት ንክትደጋገፉ ልብኹም ዘንቀዶ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ እጃምኩም ክትገብሩ እዋኑ ሕጂ እዩ።

It was 1997 the dream of “Voice of Selamna started to germinate”. And after that we started to investigate where, when and how to start. Then 1998 about 10 - 12 people took several trainings about Script writing, editing, voicing & other important instructions. It was not easy to collect songs & other materials, yet glory to God after so many ups and downs we prepared 6 months program to be sent to the station & Radio Selamna via FEBA Radio, its first program was aired 1st February 1999. We started with three programs of 15 minutes weekly and three full time ministers. Then 2000 we increase one 30 minutes program. 2001 we started every day 15 minutes and Sunday 30 minutes. Glory to God 2002 we were airing 30 minutes program daily, and we were using several people to produce programs from different denominations as Good Samaritan Free lancers. So Selamna radio is interdenominational that is why it is loved by all people. Glory to God, it did not took us long our dream became real and, we started our Selamna website 2005.
We have been doing with several topics and titles in different format. Like Question and answer, dreams, storytelling, Interviews, testimonies, poems, panel discussion, monolog & dialoged formats In all this most f the time we were concentrating:-
1. On Mondays Generally On families, tackling with all parts of family.
2. On Tuesdays Bible by Radio, that is Bible teachings on topics, bible books, different book which can give good lessons, and so on,
3. On Wednesdays, Youth and their lives, concentrating on young people how they should live righteous life and how they can cope in life in a godly way without mingling with the world.
4. Thursdays and Saturdays we were concentration on evangelism, how people can get converted and after that how they can grow spiritually. On this we were using different formats too. Yet the past one year, we used Bible discovery program on Thursday and Evangelism on Saturday and both were towards evangelism.
5. Fridays, we were using a program called a bit from this and that (magazine) .These was a program outside the four days program, yet very important & timely messages we were putting it on this program. It could be teachings, preaching’s, testimonies, question & answerer, Storytelling & some very important timely books that can match with the need of our people
Sundays are the time of listeners’, where they choose songs to their beloved once
All the time before the end of each year, we prepare special programs from 25th to 31of December.
From 1st to 7th January also we prepare special programs for New Year & our Christmas where we celebrate on January 7
For Ester also we usually make 4 days or sometimes the whole week Ester special programs.
Sometimes also we use to make one week repentance program at the time of our independence. Thinking rather than people concentrating on worldly songs, to lead them to prayer and repentance.

ዕላማታት ኣገልግሎት ሰላምና

  • ብጎይታ ኣሚኖም ንዝደሓኑ ሰባት ብመንፈሳዊ ህይወቶም ንምዕባይ ዝሕግዞም መንፈሳዊ ጽሑፋት ምቕራብ
  • ኣመንቲ ብናይ ቃል ፍልጠቶም ምእንቲ ክዓብዩ ኣገደስቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቕራብ
  • ኣብ ኣእምሮ ኣመንቲ ክመላለስ ዝኽእል ትነቃፊ ኣርእስትታት ዝምልከት ሕቶታት ምምላስ
  • ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ቤተክርስትያን ኣብ መሪሕነት ንዝርከቡ ሰባት ምዕዶታት ምቕራብ
  • ምስክርነትስ ተመክሮን ናይ ምልውዋጥ መድረኽ ምቕራብ
  • ወንጌል ናብ ዘይኣመኑ ምዝርጋሕ
  • ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ምዝርጋሕ

 

selamna

April 2024
M T W T F S S
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930